ኣምባሳደር ተፈራ ደርበው ምስ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ምትሕብባር ሕውነት ኢትዮ-ቻይና ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ምስ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ምትሕብባር ሕውነት ኢትዮ-ቻይና ቤቲ ዙ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ እቲ ኮሚቴ ካብ ዝጣየሽ ኣትሒዙ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዘምፅኦም ውፅኢታት ከምኡውን ኣብ ቀፃሊ ምስቲ ኤምባሲ ተቐራሪቡ ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ልዝብ ተገይሩ።

ኣምባሳደር ተፈራ፥ እቲ ኮሜቴ ቅድመ ሐዚ ኣብ ቤጂንግን ሻንጋይን ንዝተሳለጡ ፎረማት ኢንቨስትመንት ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።

ኣብ ዓውዲታት ማዕድን፣ ግብርና፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ቱሪዝም፣ ፋርማሲዩቲካል፣ ኢነርጂ፣ መቀነባበርቲ ፍሪያታት ግብርና፣ ኣይ ሲ ቲ ብምድሃብ እቲ ኮሚቴ ንክሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment