ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፍልይቲ ተወካሊት ዋና ፀሓፊ ውሕመን ሓላፊት ዩኤንሶምን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፍልይቲ ተወካሊት ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ)ን ሓላፊት ልኡኽቶ ድጋፍ ሶማሊያ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንሶም)ንካትሪዮና ላንግ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣብ ዘተኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ቀፅልነት ዘለዎ ሰላምን ምርግጋእን ንምዕሳል ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም፡፡

ካትሪዮና ላንግ ብግደአን÷ ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን ሶማሊያ ዝገበረቶ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንኢደን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀፃሊ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ንምርግጋእ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታ ከምዝዘተዩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment