ኣብ ሆስፒታል ን10 ኣዋርሕ ውኒኣ ስሒታ ዝፀንሐት ጓል ኣነስተይቲ ከምዝነቐሐት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሆስፒታል ን10 ኣዋርሕ ውኒኣ ስሒታ ዝፀንሐት ጣልያናዊት ጓል ኣነስተይቲ  ከምዝነቐሐት ተገሊፁ።

እታ ክርስቲና ሮሲ ዝተባህለት ጓል 37 ዓመት ጣሊያናዊት፥ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ነብሰፁር እናሃለወት ብዘጋጠማ ሕማም ልቢ እያ ኣብ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ውኒኣ ስሒታ።

ብምኽንያት እዚ ጓላ ካትሪና ብመጥባሕቲ ካብ ማህፀን ኣዲኣ ክትወፅእ ከመዝተገበረ ተሓቢሩ።

ይኹን እንበር ኣዲኣ ኣብ ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ ክኸውን ከምዝኽእል ብዝጥርጠር ፀገም ናብ ውኒኣ እንተይተመለሰት ተሪፋ።

ሎሚ ኣብ ዝነቐሐትሉ እዋን ድማ “ማማ” ዝብል ፈላማይ ቃል ከምዝተዛረበት ዝገልፅ በዓል ቤታ ገብርኤል ሱቺ፥ ከምዘይተፀበዩዎን ፍፁም ታሕጓስ ከምዝፈጠረሎምን ላ ናዝዮን ንዝተባህለት ጋዜጣ ተዛሪቡ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment