ኣብ መበል 76 ጉባኤ ውሕመ ብኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘተ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 76 ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ዋፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘተ ከምዘካየደ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፈፍቲ ገሊፆም።

ኣብ ዘትኡ ድማ ኣብ ግድብ ህዳሰን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ዘድሃበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ጠተው ንኽብል ዝሓተቱ እንትኾኑ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ እናብፀሖ ዝርከብ ሰብኣዊ ቀውሲ ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ እውን ተዛቲዮም ኢዮም።

ንዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝተውሃበ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ፥ ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራዊን ዞባዊን ጉዳያት ብመፅናዕታዊ ስራሕቲ ተደጊፎም ቀሪቦም።

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣድሎኣዊ ፀብፃብ እናጋውሑ ዝርከቡ ዓለም ለኸ ሚዲያታት ኣብ ቅድሚ ዋና መፈነዊ ሲ ኤን ኤን ተኣኪቦም ኮኒኖም ኢሎም።

ብወንደሰን ኣረጋኽኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment