ኣብ መዝገብ እኒ ሜጀር ጄኔራል ገብረመድህን ፍቃዴ ዘይቀረቡ ተኸሰስቲ ፖሊስ ንከቕርብ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መዝገብ እኒ ሜጀር ጄኔራል ገብረመድህን ፍቃዴ ዘይቀረቡ ተኸሰስቲ ፖሊስ ንከቕርብ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ነቲ ተለዋጢ ቆፀሮ ዝሃበ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መበል ሳልሳይ መጋባእያ ገበን ፀረ ሽብርን ሕገ መንግስታዊ ጉዳያትን ልደታ ምድብ ኢዩ።

ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ቆፀሮ፥ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ርክብ ሬዲዮን መብራህቲን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እቲ ከባቢ ብምቁራፅ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ንክበፅሕ ብምግባር ኣብቲ እዋን ሰብ ሙያ ቴክኒክን ተረኛ ኣባላት ሓለዋን ብምዕጋትን ብምውጋድን ነቲ መጥቃዕቲ ዝኾን ኩነታት ብምምዕርራይን ሬዲዮን ዝተፈላለዩ መሳርሒታትን እቲ ሰራዊት  ንጉጅለ ፀረ ሰላም ህወሓት ኣሕሊፎም ብምሃብን ርክብ መከላኸሊ ሰራዊት ንክጥለፍ ብምግባርን ከከም ተሳትፎኦም በቢብርኩ ክሲ ከምዝቐረበሎም ይዝከር።

ይኹን እንበር ክሲ ካብ ዝተመስረተሎም 21 ኣባላት እቶም 14 ኣብቲ መጋባእያ ብዘይምቕራቦም ፖሊስ ነቶም ዘይቀረቡ ሒዙ ንከቕረብ ትእዛዝ ተዋሂቡዎ ነይሩ።

ፖሊስ ነቶም ተከሰስቲ ዘይምርካቡ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ቆፀሮ ብምግላፁ፥ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር በምዝርራብ እቶም ተኸሰስቲ ደሊዩ ንምቕራብ ሓደ ተለዋጢ ቆፀሮ ይወሃበኒ ብምባል ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ።

ስለዝኾነ ተኸሰስቲ ደሊዩ ንምቕራብ ን19 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment