ኣብ ማራቶን ቤይሩት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤይሩት ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምስባር ተዓዊቶም፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ ጋዲሳ ጣፋ 02፡10፡34 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ቀዳማይ እንትወፅእ÷ ጎጃም በላይነህ ድማ ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ ብዝተገበረ ውድድር ድማ ኣትሌት ሙሉጎጃም ብርሃን 02፡19፡32 ብምእታውን ክብረ ወስን እቲ ቦታት ብምምሕያሽን ቀዳመይቲ እንትትወፅእ÷ጌጤ ዱከሌን ኣስመሬ በየነን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብመሓዝ ውድድረን ዛዚመን፡፡

ኣብ ቆንሱል ጀነራል ፌ.ዴ.ሪ.ኢ ኣብ ቤይሩት ኣምባሳደር ተመስገን ዑመር ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ንኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዘበረታትዑ እንትኾኑ÷ ብኣሰናዳእቲ እቲ ውድድር ዝተሰናደአ ሽልማት ንተዓወትቲ ምብርካቶም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment