ኣብ ማይጨው ብምኽንያት በዓል ጥምቀት 10 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድር ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ማይጨው ብምኽንያት በዓል ጥምቀት 10 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድር ዓብዪ ጉያ ክልቲኡ ፆታ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ውድድር ጉያ ብደቂ ተባዕትዮ ብርሃኑ ሰለሙን ካብ ከተማ ማይጨው፣ ጌታቸው ባይርኡ ካብ ማእኸል መሰልጠኒ ኣትሌቲክስ መንደር ከተማ ማይጨውን መለስ ሃፍቱ ካብ ወረዳ እንዳመኾኒ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃን ተዓዊቶም።

ብደቂ ኣንስትዮ ድማ፥ ካብ ከተማ ማይጨው ኣትሌት በለጡ ኣለማዮህ፣ ኣትሌት ኣሰፉ ኣብርሃን ኣትሌት ዝማም ባራኺን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውፃእ ውድድረን ዛዚመን።

ብመሰረት እዚ እቶም ኣትሌታት ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳማይ ንዝወፅኡ ሓሙሽተ ሽሕ ብር፣ ካልኣይ ንዝወፅኡ ሰለስተ ሽሕ ብር ሳልሳይ ንዝወፅኡ ድማ ክልተ ሽሕ ብር ተሸሊሞም።

ብዓበይቲ ኣይተ ኣሰፋ ተኽለዝጊ፣ ኣይተ ሃፍቱ ኣስረስን ኣይተ ሓጎስ ወልደስላሰን ብቕደም ስዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment