ኣብ ምፍፃም መደባት ዘሎ ውስንነት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየእቱ ዝለዓለ ጠመተ ብምሃብ ክስራሕ ይግባእ- ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዘሎዉ ኣመራርሓ መንግስቲ ዝተሳተፉሉ ክልላዊ መድረኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሒዝዎም ዝተበገሰ ኩለ መዳይ መደባት ልምዓት፣ ምርግጋፅ ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን ኢሉውን ማሕበረ ቁጠባዊ ስራሕቲ ካልኦትን ፈትሽኻ ንዝረኣዩ ፀገማት መፍትሒ ንምቕማጥ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ዘለዉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ብብርኪ ክልል ዝተትሓዙ ዕማማት ኣብ ምፍፃም ዘለው ውስንነታት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ህንውና ሓደጋ ከየእቱ ኩሉ ኣመራርሓ መንግስቲ ዝለዓለ ጠመተ ብምሃብ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ምፍፃም እቶም መደባት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዋላኳ እንተሃለው ህዝቢ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ሓደጋ ህልውና ዘውፅእ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው፥ ስለዝኾነ እቲ መድረኽ  ኣብ ኣፈፃፅማ  መደባት ዝነበሩ ፀገማት ብዝግባእ እንሪአሉ እዩ ኢሎም።

ምስ ፍትሕን ፀጥታን፣ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳርን ተዛሚዶም ዘለው ፀገማት ወልቀ ሰባት ናብ ገበርትን ሓደግትን ክሳብ ምዃን ዝረኣየሎም ዘሎ ብምዃኑ ነቶም ኣብ ምፍፃም መደባት ዝተርኣዩ ቁልፊ ፀገማት መፍትሒ ክቕመጠሎም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዚ እንተዘይተገይሩ ግን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ህልውና ዘእቱ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ነቲ ሓደጋ ብዝግባእ ተገንዚብካ ነቶም ፀገማት ኣብ ምፍትሕ ብትኹረት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

እቲ መድረኽ ተሓታትነት ብዘረጋግፅን ህልውና ህዝቢ ትግራይ ብዘውሕስን ከምዝካየድ  ኣረዲኦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment