ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ዝግበር ዘሎ ምርመራን ደገፍን ብዝምልከት ንዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ መብርሂ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ገብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ዝግበር ዘሎ ምርመራን ደገፍን ብዝምልከት ንዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ መብርሂ ይህብ ኣሎ።

ኣካቢ እቲ ቤት ፅሕፈትን ሚኒስትር ፍትሒን ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ፥ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተፈፀሙ ገበናት ብዝምልከት ዝግበሩ ዘሎ ምርመራ ነፃ፣ ገለልተኛን ኩለ መዳይ ተሓታትነት ብዘንግስ መልክዑ ይካየድ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ዶክተር ታደሰ ካሳ፥ ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲን መፅናዕቲን ዝበፅሐሉ ብርኪን ኣቕሪቦም።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝበፅሐ ግህሰት ሰብኣዊ  መሰል ብዝምልከት ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ውሕመን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ውፅኢት ምርመራ ፀብፃብ ዝተውሃቡ ምኽረ ሓሳባት ብዕምቆት ብምርኣይ ምላሽ ንምሃብ ግብረ ሓይሊ ሚኒስቴራት ብምጥያሽ ከምኡውን ዝተጠቓለለ ስትራቴጂን ዝርዝር መርሃ ግብሪ ተግባርን ብምድላው ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment