ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ተበኣኢሱ ቀፂሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ግዘ ህድእ ካሊእ ግዘ እናተጋደደ ዝፀንሐ ጎንፂ ተዋጋእቲ ሓይሊታት ሱዳን ሎሚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ካርቱም ተጋዲዱ ቀፂሉ ኣሎ፡፡

ጎንፂ ተዋጋእቲ ሓይሊታት ብቀንዱ ኣብ ምብራቕ ካርቱም፣ ካብ ሰሜናዊ ባሕሪን ምዕራባዊ ኣንፈት ኦምዱርማንን ከምዝተስፋሕፈሐ መሰኻኽር ኣየኒ ንሲ ጂ ቲ ኤን ገሊፆም።

ሎሚ ዕለት ኣብ ጥቓ ቡሪ ከም ብሓዱሽ ዝተወለዐ ጎንፂ ብጦር ኣውሮፕላናት ዝተሓገዘ ከምዝኾነ እውን እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ምግቢን ሕርሻን (ፋኦ) 15 ሚሊየን ዝተፀገሙ ዜጋታት ንምሕጋዝ 95 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር የድልየኒ ኢሉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment