‘ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ጉዕዞ ሓጅ’ ኣብ ስዑድ ዓረብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቁፅሪ ተጓዓዝቲ ሓጅ እዚ ዓመት ካብ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝለዓለ ከምዝኸውንን ‘ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ኮይኑ ከምዝምዝገብን ተሓቢሩ፡፡

ትማሊ ኣብ ሰዑድ ዓረብ መካ ዝተጀመረ ጉዕዞ ሓጅ÷ ተጓዓዝቲ ዓመታዊ ስነ-ስርዓት ልዑል ቁፅሪ ሑጃጃት ብምትእንጋድ ኣብ ታሪኽ ከምዝምዝገብ ሚኒስቴር ሓጅን ዑምራን ስዑድ ዓረብ ኣፍሊጡ፡፡

ቅድም ኢሎም ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብብርኪ ዓለም ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ብምብፅሑ ገደባት ጉዕዞ ተነቢሮም ከምዝነበሩ ይዝከር፡፡

ብምኽንያት እዚ ድማ ከም ኣቀፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብቲ ስነ ስርዓት ክሳተፉ ዝተፈቐደሎም ቁፅሪ ተጓዓዝቲ ሓጅ 10 ሺሕ ጥራሕ ነይሩ፡፡

ከም ኣቀፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ድማ 59 ሺሕ ተጓዓዝቲ ሓጅ ናብ ስዑድ ዓረብ መካ ንኸኣትዉ እንትፍቀደሎም÷ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 1 ሚሊየን ሑጃጃት ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተዓዲሞም፡፡

ተጓዓዝቲ ሓጅ (ሑጃጃት)÷ ሰንበት ኣጋምሸት ስርዓተ ፀሎት ናብ ዝካየደሉን ኣብ መካ ዝርከብ ዓብጢ መስጂድን 8 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ሚና ጉዕዞ ጀሚሮም ኣለዉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment