ኣብ ትግራይ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ስሩዕ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝሓለፉ ሓሙሸተ መዓልታት ክዋሃብ ዝፀንሐ ስልጠና መምህራንን ኪኢላታት ትምህርትን ብዝተተለመሉ መንገዲ ከምዝተዛዘመ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ስልጠና ንክዕወት ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ መምህራን፣ ኣመራርሓ ትምህርቲ፣ ኣማሓደርቲ ወረዳታትን ዝተፈላለየ ድጋፋት ዝገበሩ ሰብ ሃፍቲ ከምኡውን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ አመስጊኑ።

እቲ ቢሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ካብ ፅባሕ 9 መስከረም 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ስሩዕ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ/ም ክጅመር ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ህፃውንቲ ሳኣን ናውቲ ትምህርቲ ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ንከይተርፉ በቢከባቢኡ ዝግበር ዘሎ ድጋፋት ተጠናኺሩ ክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሰናይ ናይ ትምህርቲ ዓመት ንከኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment