ኣብ ኣሰላ ሰልፊ ድጋፍ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ኣርሲ ከተማ ኣሰላ ኣብዛ ሃገር ይሳለጥ ንዘሎ ለውጢ ዝድግፍ ሰልፊ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከባ ወረዳታትን ከተማ ኣሰላን ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብቲ ሰልፊ ይሳተፉ ከምዘለዉ ድማ ተሓቢሩ።

ዕላማ እቲ ሰልፊ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፣ ኣመራርሓ ለውጢን ፓርቲ ብልፅግናን ንምብርትታዕ ኢዩ ተባሂሉ።

“ብሕብረት ናብ ምዕባለ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ እቲ ሰልፊ ድጋፍ፥ ኣድላይነት ሰላም፣ ፍቕሪን ሓድነትን ዘጉልሁ ተግባራት ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከምዝቐረቡ ተሓቢሩ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment