ኣብ ኣዲስ ኣበባ መበል ታሽዓይ ከተማዊ ኤግዚብሽን ምህዞ ሳይንስ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ መበል ታሽዓይ ከተማዊ ኤግዚብሽን ምህዞ ሳይንስ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ብቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ ኤግዚብሽን፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣደባባይ ሕውነት ምክያድ ከምዝጀመረን ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከምዝፀንሕን ተሓቢሩ።

“ብስራሕቲ ምህዞ ዝማዕበለ ተውልዲ ንኩለ መዳይ ምዕባለ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዘለዎ ኣብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብ መንግስታዊን ውልቃን ኣብያተ ትምህርቲ ዝተውፃእፅኡ ተምሃሮን መምህራንን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምህዞ ብዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዑደት ክግበረሎም ኢዩ ተባሂሉ።

Comments (0)
Add Comment