ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ 7 ሚሊየን ሓሊፉ።

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ 7 ነጥቢ 7 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪካ (ሲዲሲ) ኣፍሊጡ።

ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወተቶም ዝሰኣኑ ሰባት ድማ ልዕሊ 194 ሺሕ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ እቶም 6 ነጥቢ 8 ዝኾኑ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ካብ ሕማሞም ከምዝደሓኑ ተሓቢሩ።

ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሞሮኮ፣ ቱኒዚያን ኢትዮጵያን እቲ ቫይረስ ብልዑል መጠን ዝተስፋሕፈሐለን ሃገራት ከምዝኾና እቲ ማእኸል ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ኣህጉር ልዑል ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ዝረኣየሉ ከባቢ እንትኸውን፥ ማእኸላይ ክፋል ኣፍሪካ ድማ ብተነፃፃሪ ትሑት መጠን ዝርገሐ ዝተርኣየሉ ኢዩ ክብል ዢንዋ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment