ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ደረጀኦም ዘይሓለዉ ልዕሊ 33 ሺሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፍልፍሎም ዘይተፈለጠን ደረጀኦም ዘይሓለዉን ልዕሊ 33 ሺሕ መሸፈኒ ገፅ(ማስክ)ን 4 ሺሕን 452 ሊትሮ መንፅሂ ኢድ ዛኒታይዘራትን ተታሒዞም።

በዓል መዚ ቁፅፅርን ምምሕዳርን ጥዕና ምግቢን ኣፋውስን ኣዲስ ኣበባ፥ ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ስዒቡ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታታት ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕናን መኻዚናት መድሓኒትን ትዕዝብቲ ኣካይዱ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ደብረወርቅ ጌታቸዉ ከምዝገለፁዎ፥ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ስዒቡ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና ብፍላይ ድማ መደብራት መድሓኒት ብዝተገበረ ስራሕቲ ቁፅፅር ፍልፍሎም ዘይተፈለጠን ደረጀኦም ዘይሓለዉን ማስክታትን መናፅሂ ሳኒታይዘራትን ክተሓዙ ክኢሎም ኢዮም።

እቶም ፍርያታት ናይ ምውጋድን ኣብ ልዕሊ እቶም ትካላት ድማ ንኽዕሸጉ ስጉምቲ ከምዝተወሰደን ምግላፆም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መናፅሂ ኢድ ሳኒታይዘር ንምፍራይ ልዕሊ 22 ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ኢንተርፕራይዛት ካብ ኤጀንሲ ምስምዕማዕን ፈተነን መረጋገፂ ብቕዓት ብምውሳድ ናብ ምፍራይ ስራሕ ንኸኣትዉ እናተገበረ ምዃኑ ኣይተ ደብረወርቅ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment