ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 3 ሰራተሕተኛታት ንሕልፈት ዘቃለዐ ህንፃ ሪል ስቴት ህንፀቱ ጠጠው ክብል ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃለፈ ዓርቢ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ሪል ስቴት ዝነበሩ ሰለስተ ሰራተሕተኛታት ህይወቶም ምሕላፉ ስዒቡ ህንፀት እቲ ህንፃ ጠጠው ክብል ከምዝተገበረ በዓል መዚ ቁፅፅርን ፍቓድን ህንፀት እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

ም/ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ገዛሀኝ ዴሲሳ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ክ/ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ወረዳ 6 ኣብ ጅምር ህንፀት ዝርከብ በዓል 9 ደብሪ ህንፃ ሪል ስቴት ኣርሂቡ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ 3 ሰራሕተኛታት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

እቶም ራሕተኛታት ሲሚንቶ ናብ ላዕሊ እናውፅኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እናወፅኡሉ ዝነበሩ ጋሪ ዝተሸከመ ናይ ሓፂን ገመድ ብምዕፃፉ ነቲ ገመድ ንምስትኽኻል ብኢዶም ሒዞም እንተንቀሳቕሱ ኣብ ጥቐኦም ምስ ዝነበረ ገመድ ኤሌክትሪክ ብምርኻቡ ካብቲ ህንፃ ናብ መሬት ወዲቖም ህይወቶም ምሕላፉ ተዛሪቦም።

ተወሳኺ ሓደ ሰራሕተኛ ናብ ሕክምና ከምዝተወሰደ ዝሓበሩ ኣይተ ገዛሀኝ÷ ሰለስቲኦም ሰራሕተኛታት ግን ሽዑ ንሽዑ ህወቶም ከምዝሓለፈ ገሊፆም።

ዘጋጠመ ሓደጋ ስዒቡ ድማ እቲ ህንፃ ምንቅስቓስህንፀቱ ጠጠው ንኸብል ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ፈቓድ ህንፀት ወናኒ እቲ ህንፃ፣ ኣማኻሪን ተቛረቃፂን ብመሓዝ ምስቲ ሓደጋ ተተሓሒዙ መብርሂ ክህቡ ከምዝተኣዘዙ ገሊፆም።

ብታሪክ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment