ኣብ ከተማ ዱከም መዛዘሚ ስልጠና ፍሉይ ወፍሪ ሓይሊ ኣየር ምርኢት ዝላ ኣየር ወለድ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዱከም መዛዘሚ ስልጠና ፍሉይ ወፍሪ ሓይሊ ኣየር ምርኢት ዝላ ኣየር ወለድ ተኻይዱ።

ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር መሰልጠኒ ፍሉይ ሓይሊ ኣየር ወፍሪታት፥ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ፌዴሪኢ ጄኔራል ብርሃኑ ጁላን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝተረኸቡሉ፤ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ስልጠና ኣየር ወለድ ምርኢት ዝላ ኣየር ወለድ ኣካይዱ።

እቲ ምርኢት ዝላ፥ ፍሉይ ወፍሪታት ሓይሊ ኣየር ወለድ ዝበፅሐሉ ልዑል ዓቕሚ ዘርኢ ከምዝኾነን ሰልጠንቲ ካብ ስልጠና ኣየር ወለድ ብተወሳኺ ፍሉይ ፍሉይ ኦፕሬሽናልን ስልጠናታት ውግእን ዝወሰዱ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ትሕቲ እቲ ማእኸል መሰልጠኒ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣየር ወለድ ንምጥንኻር ዝሕግዝ እምነ ኹርናዕ ሕንፀት ሓዱሽ ህንፃ ክንበር ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ሓፈሻዊ ከይዲ ስልጠና ኣየር ወለድ ዝምልከት ዑደትን ምንባር መሰረተ ልምዓትን፥ ኣብ ቀፅሪ ቤት ትምህርቲ ኣየር ወለድ ቢሾፍቱ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment