ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 48 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ናይ መኪና ሓደጋ ብውሕዱ 48 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ከሪቾ ሓንቲ ኮንተይነር ፅዒና ዝነበረት ዓባይ መኪና ኣብ ሓደ ሰብ ብፃዕቒ ዝንቀሳቐሰሉ ቦታ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኮይና ናብ መካይንን ሰብን ድሕሪ ምእታዋ’ዩ ኣጋጢሙ።

ኮማንደር ፖሊስ እታ ከተማ ጀፍሪ ማየክ፥ ብዘይካ እቶም ዝሞቱ 30 ሰባት’ውን ብኸቢድ ተሃስዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ቁፅሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል እውን ገሊፁ።

ካልእ ሓላፊ ፖሊስ እቲ ዞባ ዝኾኑ ቶም ምቦያ ኦደሮ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት፥ “እታ ኮንተይነር ፅዒና ዝነረት ዓባይ መኪና ካብ ምቁፅፃር ወፃኢ ኮይና ኣብ ልዕሊ ሸሞንት መካይን፣ ሞተር ብሽክለታታት፣ ብእግሮም ዝጉዓዙ ዝነበሩ እግረኛታትን ኣብ ወሰን ፅርግያ ኮይኖም ዝሽቅጡ ዝነበሩ ሰባትን ሓደጋ ኣውረዳ” ኢሎም ክበል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment