ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ንዝርከቡ ሓረስቶት ሓገዝ ዘርኢ ኣትክልቲን ፍረምረን ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ንዝርከቡ ሓረስቶት ሓገዝ ዘርኢ ኣትክልቲን ፍረምረን ገይሩ።

እቲ ትካል ብጎንፂን ድርቂን ንዝተጎድኡ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ንዝርከቡ 4 ሺሕ ሓረስቶት ዝከፋፈል ዘርኢ ኣትክልቲን ፍረምረን ኢዩ ሓገዝ ገይሩ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ መለሰ መኮንን (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሓገዝ ብጎንፂን ድርቂን ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ እግሪ ንምትካልን ህይወት ሓረስቶት ንምድጋፍን ዝዓለመ ኢዩ።

እቲ ሓገዝ ዘርኢ ቀይሕ ሽጉርቲ፣ ኮመደረ፣ ጒዕን ብርጭቕን ዘካተተ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብዝተገበረ ሓገዝ 371 ሄክታር መሬት ምልማዕ ከምዝከኣል እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ተዛሪቦም።

ዳይሬክተር ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊ ግርሃም ብግደአን÷ እቲ ትካል ህይወት ሓረስቶት ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment