ኣብ ክልልና 639 ሺሕ 105 ሄክታር መሬት ዝራእቲ ምሸላ ለሚዑ – ርእሰ ምምሕዳር ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ክልል ኣብዚ ዘበነ ምህርቲ 464 ሺሕ 821 ሄክታር መሬት ዝራእቲ ምሸላ ንምልማዕ ተሓሲቡ ልዕሊ ትልሚ 639 ሺሕን 105 ሄክታር መሬት ከምዝለምዐ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልለ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ዝሓለፈ ዓመት ብብዙሕ ዓወትን ተሞክሮን ዝተዓጀበ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ክልልና ኣብዚ ዘበነ ምህርቲ 464 ሺሕ 821 ሄክታር መሬት ዝራእቲ ምሸላ ንምልማዕ ተሓሲቡ ልዕሊ ትልሚ 639 ሺሕን 105 ሄክታር መሬት ከምዝለምዐ ተዛሪቦም።

“ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝወሰድናዮ ተሞኩሮ ሎሚ ካብ ትማሊ ንክሓይሽ ጠንኪርካ ካብ ምስራሕ ወፃኢ ካሊእ መማረፂ የብልናን” ኢሎም።

ናብዚ ሓዱሽ ዓመት እንትንሻገር እውን ጥራሕ ኢድና ኣይነበርናን ዝበሉ ኣይተ ሽመልስ÷ ካብ ዓወታት ብተወሳኺ ፈተናታት ተሻጊርካ ዓወት ምምዛገብ ከምዝከኣል ተሞኩሮ ከምዝተወሰደ ተዛሪቦም።

እዞም ተሞኩሮታት እዚኦም ኣብ ኩሎም ዓውድታት ብዝበለፀ ንምስራሕ ዘለዓዕሉ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment