ኣብ ክልል ኦሮሚያ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ርብዒ ዓመት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ስራሕቲ ፓርቲን መንግስቲን ዝተሳለጡሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ርብዒ ዓመት ዝጠመተ መድረኽ ኣብ ኣዳማ ምክያድ ጀሚሩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝጀመረ ግምጋም ኣፈፃፅማ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሽመልስ አብዲሳ÷ “ሎሚ ኣብ ዝተጀመረ ገምጋም 2016 ዓ.ም ከም ፓርቲን መንግስቲን ዝተሃቀኑ ስራሕቲ ክንደይ ዝኣክል ተግባራዊ ኮይኖም ዝብል ዛዕ ብስፍሓት ክንርኢ ኢና” ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ትልሚታት ክንደይ ዘኣክል ብበዝሒ፣ ብፅሬትን ቅልጣፈን ተወጊኖም ዝብል ዝረኣየሉ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ብመዳይ ፓርቲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ፀብፃብ ዝቐረበ እንትኸውን÷ ከም መንግስቲ ድማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ፀብፃብ እናቐረበ ይርከብ።

ብኣዳነች ኣበበ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment