ኣብ ዓዲግራት ፈተና 12 ክፍሊ ክወስዱ ዝቐነዩ 6 ተምሃሮ ብሓደጋ መኪና ተጎዲኦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክወስዱ ዝቐነዩ ተምሃሮ ዝፀዓነት መኪና ድሕሪ ምግልባጣ ሽዱሽተ ተምሃሮ ህይወቶም ሓሊፉ።
እታ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ዝተበገሰት ኣውቶብስ፥ ብመገዲ ሓውዜን ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣተበ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብምግልባጣ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
በቲ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ ህይወት ሽዱሽተ ተምሃሮ ከምዝሓለፈን ኣብ ልዕሊ 24 ተምሃሮ ድማ ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሐን ሓሊፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኪሮስ ግዑሽ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሕም ተምሃር ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከቡ እውን ኣብሪሆም።
ብመላኩ ገድፍ
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment