ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዝተኻየዱ መድረኻት ዘተ ኣዲስ ወግ ዝሰነደ መፅሓፍ “ኣዲስ ወግ መድረኻት” ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባለፉት 5 ዓመታት ዝተኻየዱ መድረኻት ዘተ ኣዲስ ወግ ዝሰነደ መፅሓፍ “ኣዲስ ወግ መድረኻት” ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ፡፡

ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ኣብቲ መርሃ-ግብሪ÷ ብመንፅር መረፃ ርእሰ ጉዳይን ኣሳታፊነት ጉዕዞ ሓሙሽተ ዓመት እቲ መድረኽ ኣቕሪበን፡፡

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብግደአን÷ ኣዲስ ወግ ንፖሊሲ እታወት ብምዃን ከምዘገልገለ ሓቢረን፡፡

ኣማኻሪ ሚኒስትር ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ዲያቆን ዳንኤል ክብረት÷ “ኣዲስ ወግ ቀፃልነት ዘለዎ ባህሊ ዘተ ዘማዕበለ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ምሁር ታሪኽ ታምራት ሃይሌ (ዶ/ር)÷ ታሪኽ ዘተ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዳህሲሶም፡፡

ጋዜጠኛ ዳዊት መስፍን÷ ኣዲስ ወግ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝተውሃቦ ሽፋን ዝምልከት ዳህሳስ መፅናዕቲ ምቕራቩ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት፡፡

ቀወምቲ ፀብፀብቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እውን እቲ መድረኽ ኣብ ምፅብፃብ ዝነበሮም ልምዲ ኣካፊሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment