ኣብ ዝቋላ ንፁሃን ብምቕታል ዝተሳተፉ ክልተ ሻምበል ግብረ ራዕዲ ሸኔ መስ ኣዘዝቶም ተደምሲሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቋላ  ንፁሃን ብዘይርህራሀ ብምቕታል ዝተሳተፉ ክልተ ሻምበል ግብረ ራዕዲ ሸኔ ምስ ኣዘዝቶም ከምዝተደምሰሱ ራብዓይ ሬጂመንት ክፍለ ሰራዊት ጉና ኣፍሊጡ።

ኣብ ምድራቕ ዞባ ሸዋ ወረዳ ሊበን ጭቋላ ኣብ ዘለዋ ጣቢያታትን ጎቦን ጫካን ዝቋላ አቦን ከባቢ ተሰግሲጉ ግብረ ራዕዲ እንትፍፅም ዝነበረ እቲ ሓይሊ ግብረ ራዕዲ ካብ ረብሓ ወፃእ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ምክትል ኣዛዚ ኦፕሬሽናል እቲ ክፍለ ሰራዊት ሌተናል ኮሎኔል ካሳሁን ኣማረ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምጥፋእ ሓበሬታ ብምትእኽካብን ብምፅናዕን ሀልካ ዘወድእ ክትትል ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ሰራዊት ምክልኻል ስልቲ ፀላኢ ብምፍላጥን ፀላኢ ንምውቃዕ ካብ ዘለዎ ቁርፀኝነት ብምብጋስን ነቲ ፀላኢ ኣብ ዝኣተዎ ብምእታው ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝደምሰሶ ገሊፆም።

ኣዘዝቲ ሻምበል እቲ ፀላኢ ዝኾኑ፥ ጃል ቦንሳ፣ ጃል ፈይሳ፣ ጃል መኪን ዝተብሃሉ ኣመራርሓ አውን ከምዝተወቕዑ ተረጋጊፁ።

ብተወሳኺ 34 ክላሽ፣ 13 ኤስ ኬ ኤስ ኣፅዋር፣ ሾመንተ ዝተፈላለዩ ቡምባታት፣ 1 ሺሕን 681 ጥይት ክላሽ፣ ዕጥቅታትን ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ናውቲታትንከምዝተማረኹ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment