ኣብ ዞባ ምብራቕ ቦረና ኣብ ልዕሊ መራሒ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ቦረና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ጃጋል ጋሞ ቤስት ወይ እውን ዳዳቻ ሻሬ ዝበሃል መራሒ እቲ ጉጅለ ስጉምቲ እንትውሰድ ካልኦት ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ኢዶም እናሃቡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ሓደ ኮር ሰራዊት እዚ ደቡብን ሓይሊታት ፀፅታ ዞባ ምብራቕ ቦረና ወረዳ ሊበንን ፍሉይ ሽሙ ከባቢ ቀበሌ ሃርዶት እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ሚዲያን ኣዛዚን እቲ ጉጅለ ዝነበረ ጃል ጋሞ ቤስት ወይ ድማ ዳዳቻ ሻሬ ስጉምቲ ተወሲዱዎ ተባሂሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ኣመራርሓ ክጥቀመሉ ዝነበረ 02 F1 ናይ ኢድ ቦምባ፣ ልዕሊ 100 ጠያይቲ ከላሽንን ካልኦት ጦር መሳርሒታትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ሰስጉምቲ ዝተወሰደሉ መራሒ እቲ ጉጅለ እናተጠቐመሎም ዝነበሩ ብዙሓት ገፃት ማሕበራዊ ሚዲያታት ልኡኽቶ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ዘጋውሑን ንህዝቢ ዘደናግሩ ናይ ሕሶት ተረኻትን እናነዝሐ ከምዝነበረ ምርግጋፁ ተሓቢሩ።

ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ልዕሊ ዝተረፉ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ዝግበር ወታደራዊ ወፍሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment