ኣብ ዞባ ኮንታ ብሓደጋ ምግህማስ መሬት ህይወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ኮንታ ወረዳ ዙሪያ ኣመያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግህማስ መሬት ህይወት ሰለስተ ሰባት ምሕላፉ ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ ገሊፁ፡፡

ኣብታ ወረዳ ቀበሌ ኦፓላሸ ብግምት ምሸት ከባቢ ሰዓት 9 ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግህማስ መሬት ህይወት ሰለስተ ሰባት እንትሓልፍ÷ 25 መራሕቲ ስድራን 175 ኣባላት ቤተሰብን ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊፁ፡፡

መወትቲ ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ከምዝኾኑ እውን ተረጋጊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ በቲ ሓደጋ እንስሳ ዘቤት እንትሞታ÷ ኣብ ልዕሊ 5 ነጥቢ 5 ሄክታር መሬት ዝነበረ ዝራእቲ እውን ዕንወት ከምዘጋጠሞ ካብ ኮሙኒኬሽን ዞባ ኮንታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment