ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ካብ ሪያል ማድሪድን ባየርሙኒክን ንፍፃመ ትሓልፍ ጋንታ ሎሚ መዓልቲ ክትፍለ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንፍፃመ ንምሕላፍ ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ባየርሙኒክን ዝገብረኦ ናይ መልሲ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረሉ።

ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ሜዳ ሪያል ማድሪድ ሳንትያጎ ቤርናቢዩ ዝካየደ ፀወታ÷ ንፍፃመ ትሓልፍ ጋንታ ክትፍለየሉ ኢያ፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ኣብ ስታዲየም ኣሊያንዝ ኣሬና 2 ማዕረ ምፍልላየን ይዝከር፡፡

ሎሚ ምሸት ዝተዓወተት ጋንታ ትማሊ ምሸት ንፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴይንት ዠርሜ (ፒ ኤ ሲ ጂ) ብምስዓር ንፍፃመ ምስ ዝበፅሐት ጀርመናዊት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያ 1 ሰኔ 2024 ኣብ እንግሊዝ ስታዲየም ዌምብሌይ ንፍፃ ክጋጠማ ኢየን፡፡

Comments (0)
Add Comment