ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ናይጀሪያ ቦላ ቲኑቡ ምስዓሮም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ናይጀሪያ ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ብዓወት ሕፁይ ገዛኢ ፓርቲ ቦላ ቲኑቡ ምዝዛሙ ተገሊፁ።

ዘይሻራዊ ኮሚሽን መፈፀሚ መረፃ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ፥ ነበር ኣመሓዳሪ ሌጎስ ቦላ ቲኒቡ 8 ነጥቢ 79 ሚሊየን ድምፂ ብምርካብ ተዓዋቲ ኮይኖም።

ቀንዲ ተነሓናሒ ቲኑቡ ዝነበሩ ኣቲኩ ኣቡበከር ድማ 6 ነጥቢ 98 ሚሊየን ድምፂ ብምርካብ ብፀቢብ ኣፈላላይ ድምፂ ኣብቲ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ከምዝተሰዓሩ ሬውተርስ ፀብፂቡ፡፡

ብመናእሰይ ናይጄሪያ ተፈታዊ ዝኾኑ ፒተር ኦቢ 6 ነጥቢ 1 ሚሊየን ድምፂ ከምዝረኸቡ ተገሊፁ፡፡

ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ኢዩ ዝተብሃለ ከይዲን ውፅኢትን መረፃ ኣይንቕበልን ምባሎም ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment