ኣብ 57 ጣባያታት ትግራይ ዝተርኣየ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ዝኸፈእ ሓደጋ ከየብፅሐ ምክልኻል ይግባእ-ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ጉድኣት እንተየብፀሐ ተዋዲድካ ከመይ ምምካት ከምዝከኣል ንህዝብን በቢብርኩ ንዘሎ ኣመራርሓን ኣንፈት ምሃብ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ኣብ 12 ወረዳታትን 57 ጣባያትን ትግራይ ተራእዩ እዩ፤ ስለዚ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ዝኸፈእ ሓደጋ ከብፅሕ ስለዝኽእል ተዋዲድካ ምስራሕ የድሊ ኢሎም፡፡

ብብርኪ ክልል ዝተታሓዘ ኣንፈት በቲ ቢሮ ዝተጣየሸ ጉጅለ ቴክኒክ ምስ ሰብ ሞያ መቐለ ዩንቨርስቲ ብምትሕብባር እቲ ዕስለ ዝርከበሉ ከባቢ ኣብ ምፅናዕ ዝርከብ እንትኸውን፥ ጉጅለ ሎጀስቲክ ድማ ዝተማእኸለ ደገፍ ንክህሉ ማሽናት መንፀጊ ኬሚካልን እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምብራር ዝሕግዙ ካልኦት ድምፂ ዝህቡ ነገራትን ናብቲ ዕስለ ኣንበጣ ብበዝሒ ዝርከበሉ ከባቢ ክባፃሕ እናገበሩ ከምዝኾኑ ዶክተር ኣትኩንት ገሊፆም።

ዛጊድ ኣብ ዞባ ደብብ፣ ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕን ብስፍሓት ምስ ዓፋር ኣብ ዘዋስኑ ከባብታትን እቲ ዕስለ ብበዝሒ ከም ዝተራአየ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥  እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ሕብረተሰብ ከምቲ ልሙድ እጃሙ ከበርክት ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ዕስለ ኣምበጣ ኣመልኪቶም ሓበሬታ ክህቡ ንዝደልዩ ኣካላት፥  0983525569፣ 0980447598፣  0914724744 ቑፅርታት ስልኪ ክጥቀሙ ዶክተር ኣትንኩት ፀዊዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment