ኣካላትን መለዋወጢ ናውቲን ኣውሮፕላን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምፍራይ ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናሽናል ኮርፖሬሽን ልምዕት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝተብሃለ ሃገር ቦቆል ኢንቨስትመንት ግሩፕ  ኣካላትን መለዋወጢ ናውቲን ኣውሮፕላን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምፍራይ ዘኽእል ስምምዕነት ኸቲሙ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣክሊሉ ታደሰ፥ እቲ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ኤሮስፔስ ኢንዱስትሪ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኤሮስፔስ ቴክኖሎጂን እታዎትን ኣብ ምፍራይ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተሳትፎ ክብ ከምዘብል ገሊፆም።

እቲ ዝተኸተመ ናይ 110 ሚሊየን ዶላር ሰነድ ስምምዕነት ናሽናል ኢንቨስትመንት ግሩፕ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቅሊንጦ ኣካላትን መለዋወጢ ናውቲን ኣውሮፕላን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምፍራይ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብቅድስት ኣባተ

Comments (0)
Add Comment