ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ትካል ልምዓት ፋውንዴሽን ቢል እና ሜሊንዳ ጌትስ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ትካል ልምዓት ፋውንዴሽን ቢል እና ሜሊንዳ ጌትስ ክሪስቶፈር ኤሊያስ ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ እቲ ፋውዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ከምዝተላዘቡ ተሓቢሩ።

ኣይተ ደመቀ፥ ፋውንዴሽን ቢል እና ሜሊንዳ ጌትስ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝፈፀሞ ስራሕቲ ልምዓት ሽርክንኡ ብተግባር ዘርኣየ ትካል ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ሕርሻን ዝገብሮ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።

እቶም ዓውዲታት ንምምሕያሽ መንገስቲ ትኹረት ብምሃብ ይሰርሕ ምህላዉ ምዝራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment