ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋውንዴሽን ቢልን ሜሊንዳ ጌትስን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋውንዴሽን ቢልን ሜሊንዳ ጌትስን ማርክ ሱዝማን ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዘተኦም÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እቲ ፋውንዴሽንን ዘሎ ርክብ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሓገዝ እቲ ፋውንዴሽን ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሰላም ንምፅናዕ ዝግበር ፃዕሪ ከምዘጠናኽርን ንትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ከምዝሕግዝን ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment