ኣይተ ደመቀ መኮንን ናብ ኩባ ሃቫና ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ኩባ ሃቫና ኣቲዩ።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኩባ እንትበፅሑ ሓለፍቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገርን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኩባ ገነት ተሾመን ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብ ኩባ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት÷ ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 77 ከምዝሳተፉ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ጉባኤ÷ ዘለዉ ፈተናታት ልምዓት ንምምካት ኣብ ግደ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂንን ኢኖቬሽንን ከምዝዝቲ ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment