ኤልሳልቫዶር ኤምባሲኣ ኣብ ኢትዮጵያ ክትከፍት ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤልሳልቫዶር ኣብ ኣፍሪካ መበል ካልኣይ ኤምባሲኣ ኣብ ኢትዮጵያ ክትከፍት ኢያ።

ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤልሳልቫዶር ኤሌክሳንድራ ሂል ቲኖኮ ዝተመርሐ ልኡኽ መስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ዘቲዩ።

ኣብቲ ዘተ ከልቲኣዊ ርክብ ንምጉልባት ከምኡውን ኣብ ማዕቐፍ ደቡብ ደቡብ ኣብ ኩለ መዳይ መድረኻት ዘሎ ምትሕብባር ብምጥንኻር ምቕፃል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚቦም።

ኤልሳልቫዶር ኣብ ኣፍሪካ መበል ካልኣይ ኤምባሲኣ ኣብ ኢትዮጵያ ንምኽፋት ከምዝወሰነት ኤሌክሳንድራ ሂል ቲኖኮ ተዛሪቦም።

ነዚ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ከምዘይፍለዮም ኣምባሳደር ታዬ ኣረጋጊፆም።

Comments (0)
Add Comment