ኤሚሬትስ ሕቡራት ዓረብ ንህንፀት ማእኸል ኣረጋዊያን ደገፍ ከምእትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤሚሬትስ ሕቡራት ዓረብ ንህንፀት ማእኸል ኣረጋዊያን ደገፍ ከምእትገብር ገሊፃ።

ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮም ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ኤሚሬትስ ሕቡራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሙሐመድ ሳሊም ኣል ራሺዲ ዘቲየን።

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ንኣረጋዊያን ኣገልግሎት ሕክምና፣ እቶትን ኩለ መዳይ ኣገልግሎትን ምሃብ ዘኽእል ማእኸል ንምህናፅ ይስራሕ ከምዘሎ ነቶም ኣምባሳደር ተዛሪበን።

ደረጅኡ ዝሓለወ ማእኸል ኣረጋዊያን ንምህናፅ ስራሕቲ ዲዛይን ተዛዚሙ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ እውን ሓቢረን።

ብመሰረት እዚ ኤሚሬትስ ሕቡራት ዓረብ ንህንፀት ማእኸል ኣረጋዊያን ደገፍ ከምእትገብር ኣምባሳደር ኤሚሬትስ ሕቡራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሙሐመድ ሳሊም ኣል ራሺዲ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment