ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ቢሮ ምምካን ፈንጂ ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ቢሮ ምምካን ፈንጂ ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ገሊፁ።

ቢሮ ምምካን ፈንጂ ምክልኻል ሃገር ምስ ቢሮ ምትሕብባር ፀፅታን ድሕንነትን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ልውውጥ ልምዲ ኣካይዱ።

ሓላፊ ቢሮ ምምካን ፈንጂ ምክልኻል ሃገር ብርጋዲየር ጄኔራል ታደሰ ኣመሎ ከምዝገለፁ÷ ካብ ዝምስረት

ልዕሊ 20 ዓመት ዝኾኖ ቢሮ ምምካን ፈንጂ ፈንጂታት ናይ ምምካንን ንፅራግን ስራሕ ሓላፍነት ብመሓዝ እናሰርሐ ይርከብ።

እቲ ቢሮ ምስ ትካላት ወፃኢ ክልተኣዊ ሓበራዊ ስራሕ እናሰርሐ ምፅንሑ ብምግላፅ፤ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ቢሮ ምትሕብባር ፀፅታን ድሕንነትን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ልውውጥ ልምዲ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ኣብ ቀፃሊ ዓቕሚ ሰብ ሞያ ንምዕባይ፣ ስልጠና ንመሃብን ብዕጥቂ ንምሕጋዝ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ልዝብ ከምዝተገበረ ፀሪሖም።

ሓላፊ ቢሮ ምትሕብባር ፀፅታን ድሕንነትን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሻለቃ ናታን ጆልስ ብግደኦም÷ ምስቲ ቢሮ ምምካን ፈንጂ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝነኣዱ ከምዝኾኑ ከምዝተዓዘቡ ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ ሰራዊተ ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment