ኤቨርተን ሕጊ ፋይናንስ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝን ጥሒሳ ስለዝተረኸበት 10 ነጥቢ ተቐኒሱዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ መርሲሳይድ ኤቨርተን ሕጊ ፋይናንስ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝን ጥሒሳ ስለዝተረኸበት 10 ነጥቢ ተቐኒሱዋ።

እታ ጋንታ ኣብ ዘበነ ውድድር 2021-22 ምስ ጥሕሰት ፋይናንስ ተተሓሒዙ ብዘይሻራዊ መፃረዪ ኮሚቴ ምርምራ እናተገበረላ ምፅንሑ ተገሊፁ፡፡

ብዝተገበረ ምፅራይ ድማ ኣብ ፋይናንሻል ፍትሓዊነት ዝተቐመጠ ሕጊ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጥሒሳ ዝተረኸበት ጋንታ ኤቨርተን 10 ነጥቢ ክንከያ ቅፅዓት ተመሓላሊፉዋ፡፡

ብመሰረት ሕጊ ፋይናንስ እቲ ሊግ ጋንታታት ከምዚ ዝበለ ጥሕሰት እንትፍፅማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት 105 ሚሊየን ፓውንድ ንኽኸፍላ ወይ ድማ መቕፃዕቲ ነጥቢ ክግበረለን ይገልፅ፡፡

ኤቨርተን እቲ ቅፅት ብዝምልከት ይግበአኒ ናይ ምሕታት መሰል ከምዘለዋ እውን እቲ ፕሪሚየር ሊግ ኣፍሊጡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment