እቲ ስምምዕ ሰላም ዝቆፃፀር፣ ዘረጋግፅን ዘኽብርን ጉጅለ ተልእኾ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ስምምዕ ሰላም ዝቆፃፀር፣ ዘረጋግፅን ዘኽብርን ጉጅለ ተልእኾ ተጣይሹ።

እቲ ጉጅለ ሰለስተ ኣባላት ዘለውዎ እንትኸውን፥ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሰላም ኣፈፃፅማ ስቪልን ወተሃደራዊ ስምምዕን ክከታተል ኢዩ ተባሂሉ።

ሜጀር ጄነራል ራዲና ስቴፈን ካብ ኬንያ፣ ኮሎኔል ሩፋይ ኡመር ማይሪጋ ካብ ናይጄሪያ ከምኡውን ኮሎኔል ቴፎ ሰኮል ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣባላት እቲ ጉጅለ ብምዃን ዝተሰየሙ ኢዮም።

እቶም ኣባላት ትማሊ ኣብ መቐለ ዘለዉ ትካላት መንግስቲ ናይ ምርኽኻብ ከይዲ ከምዘፈፀሙ ተገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ጉጅለ ሜጀር ጄነራል ራዲና ስቴፈን፥ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕ ሰላም ንምግንዛብ ዝረብሕ መገዲ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment