እናተረኸቡ ዝርከቡ ዓወታት ብተግባር ንህዝቢ እቲ ክልል ከሳግሩ ኣለዎም – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኩሉ ዘፈር እናተረኸቡ ዝርከቡ ዓወታት ብተግባር ንህዝቢ እቲ ክልል ከሳግሩ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰስተ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝፀንሐ ገምጋም ሳልሳይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 እቲ ክልል መንግስቲን ፓርቲን ናይ መጠቓለሊ መድረኽ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣይተ ሽመልስ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ምትእኽኻብ እቶት፣ ዘለዉ ዓቕሚታት ኣተኣኻኺብካ ምጥቃም፣ ኢኮኖሚ ዘንቀሳቕስ ኣመራርሓ ኣብ ምፍጣር፣ ጎስጓስ ህዝቢ ብምትሕብባር ጎስጓስ ብምፍጣርን ኣብ ምስራሕ ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም።

ይህንንም ተቋማዊ ማድረግና ማጠናከር እንደሚገባ አሳስበዋል፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ አረነበሩ ዓወታት ምዕባለ ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ጉዕዞ ዘጠናኽሩ ከምዝኾኑ ብምሕባር ብኻሊእ መዳይ ክፍተታት ከምዝነበሩ እውን ሓቢሮም፡፡

ብመሰረት ዝተቀመጠ ኣንፈት ዘይምውጋን፣ ኣብ ሞንጎ ዞባታት ዘለዉ ናይ ኣፈፃፅማ ኣፈላላያት፣ ፀገም ኣወሃህባ ኣገልግሎት፣ ውዳበ ኣመራርሓ ወረዳታትን ትሕቲኡን ጥንኩር ዘይምዃን፣ ስርቂን ናይ ሕሶት ፀበፃብን ከምኡ እውን ፀገማት ንካሊእ ኣካል ምሃብ ዝበሉ ፀገማት ኣብ ዝቕፅል ርብዒ ዓመት ንኽእረሙ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብቲ ክልል ብኩሉ መዳይ እናተረኸቡ ዝርከቡ ዓወታት ብተግባር ንህዝቢ እቲ ክልል ከሳግሩ ከምዘለዎም እውን ኣገንዚቦም፡፡

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment