እኩይ ዕላመኦም ብዘይተገበአ መገዲ ንምፍፃም ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ይግባእ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቡ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዑደቱ÷ ኣብታ ከተማ ብመንግስቲ ዝተሰርሑ መዘናግዒ ቦታታት ህዝቢ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓትን ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ዑደት÷ ከተማ ባህርዳር መብፅሒት ቱሪስት ንምግባር ዘኽእሉ ተግባራት ከምዝተሳለጡ ገሊፆም።

መብዛሕትኡ ከባቢ እቲ ክልል ኣንፃራዊ ሰላም ምዕሳሉ ዝገለፁ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት÷ “በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ህዝቢ ብምትሕብባር ብቕልጡፍ ናብ ልምዓት ክምለሱ ይግባእ” ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ዝርከብ ፅንፈኛ ሓይሊ ሰላም ህዝቢ ንምኽላእን ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ብሓይሊ ንምውጋድን ምንቅስቓስ ኣናገበረ ምፅንሑ ኣልዒሎም፡፡

መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምርግጋፆም ካብ ቤት ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment