ከም ሃገር ዘጋጠሙና ፀገማት ንምስጋር ሙስሊሙን ክርስቲያኑን ንዘበናት ብሓድነት ምንባሮም ዓቢዪ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ ኢዩ – ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር ኢድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ንሕና አትዮጵያውያን ከም ሃገር ዘጋጠሙና ፀገማት ንምስጋር ሙስሊሙን ክርስቲያኑን ንዘበናት ብሓድነት ምንባሮም ዓቢዪ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱልና ከምዝሓለፈ ክፍለጥ ይግባእ” ክብሉ ፕሬዚዳንት ላዕዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር ኢድሪስ ገሊፆም።

ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር ኢድሪስ፥ መበል 1443 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር ንህዝበ ሙስሊም መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ ሀዝበ ሙስሊም ኣብ ወርሒ ረመዳን ዘኻዕበቶም ሰናይ ስራሕቲ ካብ ወርሒ ረመዳን ወፃእ ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ እውን ዝጠመዩ ብምብላዕ፣ ዝዓረቑ ብምኽዳን ዝተፀገሙ ብምርዳእ ከምኡ እውን መኣዲ ብምክፋል ብቐፃልነት ብምፍፃም ካብ ፈጣሪ ዝረኽቡዎ ክፍሊት ክብ ከብሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

ምስ ምዝዛም ፆም ረመዳን ግቡእ ዝኸውን “ዘካ ተልፊጥር” ዝተደንገገሉ ቀንዲ ዕላማ እስልምና ኩሉ ሙስሊም ድኻታት ካብ ምልማን ንኅድሕኑን በቢመዓልቱ ከም ማንም ሰብ ማዕረ ኮይኖም ተኻፈልቲ እቲ በዓል ንኽኾኑ ንምግባር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገርና ኣብ ለውጢ ከምትርከብ ኩልና ንርዳእ” ዝበሉ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር ኢድሪስ፥

“ኣብ ሃገርና ብሄራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ ዝተጀመረ ፃዕሪ ኩልና ክንድግፎ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ጎንደር ዝተፈጠረ ዘሰክፍ ኩነታት ዳግም ኣብ ካሊእ ክፋል ኢትዮጵያ ምፍጣር ተሪፉ ክሕሰብ ከምዘይግባእ ብምሕባር፤ ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት እውን ናብ ሕጊ ንኽቐርቡ ምሕታቶም ካብ ላዕዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment