ኩባንያታት ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ-ንዋዮም ንምፍሳስ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያታት ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ-ንዋዮም ንምፍሳስ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ልዕሊ 300 ኩባንያታት ቻይና ዘሳተፈ ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮ – ቻይና ኣብ ሻንሃይ ተኻይዱ፡፡

እቲ ፎረም ብኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይናን ተሓባበርቲ ኩባንያታት ቻይናን ከምዝተሰናደአ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ÷ ሚኒስትር ገንዘብ ኢፌዴሪ ኣሕመድ ሺዴ፣ ሚኒስትር መዓድን ኢ/ር ሃብታሙ ተገኝን ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ሌሊሴ ነሜን ተረኺቦም፡፡

ኢትዮጵያ ትኹረት ኣብ ትህቦም ዓውዲታት፣ ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕሚ መዓድንን ንኢንቨስትመንት ዘለዋ ምቹው ኩነታትን ኣብ ዝምልከት እውን እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ገለፃ ምግባሮም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ምስቲ ኤምባሲ ብምትሕብባር ንቕድመ ኢንቨስትመንት ዑደትን መዋእለ ንዋዮም ኣብ ኢትዮጵያ ንምፍሳስን ድሌት ከምዘለዎም ምግላፆም ተመልኪቱ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment