ካልኣይ ዙር ድልድል ጋንታታት ፅዋዕ ኢትዮጵያ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ላዕለዋይ ሊግን ፕሪሚየር ሊግን ዝሳተፋሉ ካልኣይ ዙር ድልድል ጋንታታት ፅዋዕ ኢትዮጵያ ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብዚ ድልድል ኣብ ምድብ ሀ፦ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ሃምበሪቾ ዱራሜ፣ ሃድያ ሆሳእና ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ወላይታ ድቻ ምስ ደሴ ከተማ፣ ቢሾፍቱ ከተማ ምስ ሃላባ ከተማ፣ ኣዳማ ከተማ ምስ ሲዳማ ቡና፣ ነገሌ ኣርሲ ምስ ስልጤ ወራቤ ከምኡ እውን ኢትዮጵያ መድን ምስ ድሬዳዋ ክራኸባ ኢየን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምድብ ለ፦ ጋንታታት ባህርዳር ከተማ ምስ ሸገር ከተማ፣ ኦሮሚያ ፖሊስ ምስ ኣርባ ምንጭ ከተማ፣ ሃዋሳ ከተማ ምስ ቤንቺ ማጂ ቡና፣ መቻል ምስ ወልቂጤ ከተማ፣ ደብረብርሃን ከተማ ምስ ጋሞ ጨንቻ፣ ፋሲል ከነማ ምስ ነቀምቴ ከተማ፣ ኮልፌ ቀራኒዮ ምስ ኢትዮ ኤልክትሪክ ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ቡና ምስ ወልድያ ከተማ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡

ኣብ ሞንጎ ካብ ፕሪሚየርሊግን ላዕለዋይ ሊግን ዝተውፃእፅኣ 32 ጋንታታት ዝግበር ፅዋዕ ኢትዮጵያ÷ ካብ 15 ክሳብ 17 ሕዳር ከምዝካየድ ካብ ፌዴሬሽን  ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ቀዳማይ ዙር ፅዋዕ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ፍፃምኡ ዝረኸበ እንትኸውን÷ ናብ ቀፃሊ ዙር ዝተፀምበራ 16 ጋንታታት ላዕለዋይ ሊግ ከምዝተፈለያ ይፍለጥ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment