ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅ በዓላት ብዝፍፀም ማሕረዲ ዝርከብ ቆርበት ብጥንቃቐ ብምድላው ብእዋኑ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝግባእ ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንዱስትሪ ቆርበት ኣተሓሳሲቡ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ ዳኛቸው ሽፈራው ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ዝቕፅሉ በዓላት ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝካየድ ማሕረድ ሕብረተሰብ ኣብ ፅሬት ቆርበት ጥንቃቐ ክገብርር ይግባእ።
ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ልዕሊ 25 ሚሊየን እንሳታት ከምማሕረድ ዝሓበሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 25 ሚኢታዊ ጥራሕ ናብ ዕዳጋ ከምዝቐርብ ኣብሪሆም።
ኣብ ሞንጎ ኣቐረብቲን ተረከብቲን ዘሎ ምትእስሳር ዕዳጋ ትሑት ምዃንን ሕፅረት ግንዛበን ቀንዲ ማሕለኻታት ከምዝኾኑ እውን ኣገንዚቦም።
እቲ ፀገም ንምፍታሕ ፋብሪካታት ቆርበት ካብ ዝቕፅሉ በዓላት ጀሚሮም ፍርያት ቆርበት ብቐጥታ ካብ ተጠቐምቲ ንኽእክቡ ከምዝተፈቐደ ተዛሪቦም።
ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ሸርፊ ወፃኢን ዕድል ስራሕ ንምድንፋዕን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ብመላኩ ገድፍ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!