ካቻ ዝተብሃለ ግልጋሎት ዲጂታል ፋይናንሲንግ ሰርቪስ ብዕሊ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቻ ዝተብሃለ ዲጂታል ፋይናንሲንግ ሰርቪስ መውፅኢ ሰነድ ውልቀ ክፍሊት ብምዃን ግልጋሎት ብዕሊ ኣጀሚሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ኢዩ ዝተባህለ እቲ ግልጋሎት ካብ ብሄራዊ ባንኪ ፍቓድ ግልጋሎት ዝረኸበን ናይ ሞባይል ገንዘብ ዝውውርን ካልኦት ግልጋሎታት ፋይናንስን ብዝተፈላለየ ብርኪ ኣማራፂታት ዘካተተ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቲ ግልጋሎት ብልእኽቲ ሓፂር ቁፅሪ፣ መተግበሪታት ኣንድሮይድን ኣይ ኦ ኤስን ብምጥቃም ፈተነ ትግበራ ቅድም ክብል እናገበረ ብምፅናሕ ዕዉትነቱ ብምርግጋፅ ናብ ስራሕ ምእታዉ ተመልኪቱ።

ኣብ ስነ-ስርዓት እቲ መጀመሪ ዝተረኸባ ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ፥ ከም ካቻ ኣብ ዝበሉ ዓይነታት ዝወሃቡ ግልጋሎታት መካተቲ፣ ብፈጠራ ዝተመልአን ተኣማንነት ዘለዎም ብምዃኖም፤  ኣብ ሃገራዊ ፋይናንስ ምክታት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ጋህዲ ንምግባር ግድኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

እቲ መተግበሪ ግልጋሎት ፋይናንስ ንተጠቀምቲ ምቹውን ቀሊልን ብዝኾነ ኣግባብ ዘቕረበ ከምዝኾነ ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ገሊፆም።

ብታሪኩ ወልደሰንበት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment