ክልተ ኩባኒያታት ቴሌኮም ኣብ ኢትዮጵያ ስረሖም ንኸሳልጡ ፍቓድ ከምዝወሃቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክልተ ናይ ወፃኢ ኩባኒያታት ቴሌኮም ኣብ ኢትዮጵያ ስረሖም ንኸሳልጡ ፍቓድ ከምዝወሃቦም ተገሊፁ።

ኣብ ከይዲ ስራሕቲ ምምሕያሽ ዓውዲ ቴሌኮም ዘተኮረ ዘተ ትማሊ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተሳሊጡ ነይሩ።

ሓደሽቲ ኦፕሬተራት ቴሌኮም ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትዉ ብምግባር እቲ ዓውዲ ንውድድር ክፍቲ ንምግባርን ብፅሒት ኢትዮ ቴሌኮም ብኽፋል ንምዝውዋርን ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝምልከት ፀብፃብ ኣብቲ ዘተ ቀሪቡ።

ብመሰረት እዚ ኩባኒያታት ቴሌኮም ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ስረሖም ንምስላጥ ፍቓድ ንኽወሃቦም ከምዝወሰኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ገሊፆም።

ኢትዮ ቴሌኮም ብኽፋል ናብ ውልቀ ትሕዝቶታት ናይ ምዝውዋር ከይዲ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዘሓለወ መልክዑ ከምዝቕፅል እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment