ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ውሕመ ኢትዮጵያ ንፍልሰተኛታት እትገብሮ ዘላ እንግዶት ንኢዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ)ፊሊፖ ግራንዴ  ኢትዮጵያ ንፍልሰተኛታት እትገብሮ ዘላ እንግዶት ንኢዶም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስቶም ኮሚሽነር ዘቲዮም።

ኢትዮጵያ ካብ ፍልሰተኛታት ሱዳን ሰብኣዊነት ብዘለዎ መገዲ ብምቕባል ምትእንጋዳ ንኢዶም።

ግብረ ሰናይ ትካላት ነቶም ፍልሰተኛታት ዝገብርዎ ደገፍ ክብ ንከብሉ እውን እቶም ኮሚሽነት ሓቲቶም።

ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ሓፈኛዊ ጉባኤ ውሕመ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣይተ ደመቀ፥ ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ተወከልቲ ዝተፈላላያ ሃገራት ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ሓበራዊ ቀጣናዊ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment