ኮምሽን ጉምሩክ ቨርዥን ታሪፍ መፃሕፍቲ 2022 ትካል ጉምሩክ ዓለም ካብ ዘቐመጦ ጊዜ ኣቐዲሙ ብምትግባሩ ንኢትዮጵያ ልዑል ዓወት ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮምሽን ጉምሩክ ቨርዥን ታሪፍ መጻሕፍቲ 2022 ትካል ጉምሩክ ዓለም ካብ ዘቐመጦ ጊዜ ኣቐዲሙ ብምትግባሩ ንኢትዮጵያ ልዑል ዓወት ምዃኑ ተገሊፁ።

ብኣተሓባበርነት ድጋፍ ትካል ጉምሩክ ዓለምን ብኮሚሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያን ኣብ 2022 ምምሕያሽ ሕታም ታሪፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ሰብሞያ ጉምሩክ ኣፍሪካ ምይይጥ ተዛዚሙ።

ኮምሸነር ኮምሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ደበሌ ቃበታ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከምዝበልዎ፤ ስርዓት ኣመዳድባ ዋጋ ኣቑሑት ዝተሓላለኸን ተለዋዋጢ ባህሪ ዘለዎ ምዃኑ ብምሕባር፤ ምምሕያሽ ዋጋ 2022 ነዚኦም ነገራት ከምዝኣልን ዶብ ሰገር ምንቅስቓስ ንግዲ ንምስላጥ ልዑል ግደ ከምዘለዎን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ እውን ሕታም ዋጋ መፃሕፍቲ 2022 ትካል ጉምሩክ ዓለም ብዘቐመጦ ጊዜ ምትግባራ ኮምሽን ደበሌ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ንኮምሽን ጉምሩክ ኮነ ንኢትዮጵያ ልዑል ዓወት እዩ ኢሎም።

እቲ ኮምሽን ብቑዕን ተወዳዳርን ንምግባርን ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ንምትግባርን ዘኽእሉ ተግባራት እናተሳለጡ ምዃኖም እውን ኣልዒሎም።

ኣብቲ ምይይጥ ተወከልቲ ትካል ጉምሩክ ዓለም፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ጉምሩክ ሃገራት ኣፍሪካን ሰብሞን ተረኺቦም።

እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ ተሞክሮ ኢትዮጵያ ንካልኦት ሃገራት ከምኣብነት ዝለዓል ምዃኑ ገሊፆም።

መፅሓፍ ዋጋ ትካል ጉምሩክ ዓለም በቢ ሓሙሽተ ዓመት ብምምሕያሽ እተን ኣባል ሃገራት ድማ ተግባራዊ ንኽገብራ ዝዝርጋሕ ምዃኑ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment