ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ምስ 11 ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንምስራሕ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ምስ 11 ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

ኣብቲ ሰነድ፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣክሊሉ ታደሰን እቶም ሰብ ሃፍትን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብምእታው ንክሰርሑ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ መቐለ፣ ጅማን ቦሌ ለሚን ኣብ ሕድሕዶም ሰለስተ ኩባኒያታት ክኣትዉ ኢዮም ተባሂሉ።

ዝተረፉ ክልተ ሰብ ሃፍቲ ድማ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ባህርዳርን ቂሊንጦን ከምዝኣትዉ ተገሊፁ።

እቶም ሰብ ሃፍቲ፥ ብዓውዲ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ ኣልባሳትን ጨርቃመርቂን፣ መድሓኒት፣ ምፍራይ ፕላስቲክ ክዋፈሩ ኢዮም ተባሂሉ።

11 ሰብ ሃፍቲ ብድምሩ ልዕሊ 100 ሚሊየን ዶላር ካፒታል ዘመዝገቡ እንትኾኑ፥ 31 ሺሕ ካሬ ሜትር ናይ መፍረዪ ሼድን 4 ነጥቢ 5 ሄክታር ዝለምዐ መሬትን ብምርካብ ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ ተገሊፁ።

ኣስታት 50 ሺሕ ንዝኾኑ ሓረስቶት ዘላቒ ዝኾነ ምትእስሳር ዕዳጋን ንልዕሊ 5 ሺሕ ዜጋታት ድማ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ኢዮም ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment